ሰሙናዊ ጸብጻብ

“ወተሃደራት ኢትዮጵያ ንጹሃን ሰባት ከም ዝቐተሉ ኣረጋጊጸ” ሲ.ኤን.ኤን፣ “ካብ ማሕበራዊ መራኽቢታት ዝርከብ ሓበረታ ከም ጭብጢ ኣይንቕበሎን” መንግስቲ ኢትዮጵያ

ማዕከን ዜና ሲኤንኤን ካብ ትግራይ ሜድያ ሃውስ ተረኪበዮ ዝበሎ ብተለፎን ዝተቐርጸ ቪድዮ ተራ ክዳን ዝለበሱ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ዘይብሎም ሰባት ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ክርሸኑ ከለዉ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ ኣሎ።

እቶም ኣስታት 35 ዚኾኑ ሰባት ሓደ ብሓደ ክርሸኑ ከለዉ ዘርኢ ቪድዮ፣ ስሩዕ ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሱ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ሙኻኖም ብቛንቛ ኣምሓርኛ ይዛረቡ ምንባሮምን ባንዴራ ኢትዪጵያ ዘለዎ ወተሃደራዊ ክዳን ተኽዲኖም ምንባሮም ካብቲ ቪድዮ ዝተረኽበ ሓበራታ የረድእ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ቅትለት ናይዞም ሰባት ኣበይ ቦታ ከም ዝተፈጸመ ሲኤንኤን ምስ ኣምነስቲ ኤንተርናሽናል ብምትሕብባር ካብ ሳተላይት ዝተረኽበ ሓበረታ ዝበልዎ ፣እቲ ቦታ ኣብ ማእከላይ ትግራይ ብሸነኽ ደቡብ ካብ ከተማ እኽሱም ሙዃኑ ይሕብር።

ቢቢሲ ድማ እቲ ቦታ ” ጥቓ ማህበረ ደጎ እትብሃል ከተማ” ኣረጋጊጸ ኣለኹ ኢላ’ላ። እቲ ቦታ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ሓይልታት ህወሓት ዝዋግእሉ ዘለዉ እዩ።

”ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፣ ሓይሊ ሚዛን ክቕየር ይኽእል’ዩ። ኣይ.ሲ.ጂ.

ድሕሪ ሓያል ጸቕጢ ማሕበረሰብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምእማኑ ተኽቲሉ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ከምዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብዝዘርግሖ ሓበረታ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ኣብ ጽባሕ’ቲ ኣባላት ጂ7 (ሃብታማት ሃገራት) “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብህጹጽ ክወጽእን ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንኹለን ፖለቲካዊ ሰልፍታት’ታ ሃገር ዘማእከለ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንኽመጽእ” ኣብ ሓባራዊ መግለጺኤን ኣብ ዘውጸኣሉ’ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣይ.ሲ.ጂ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበረታ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፣ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሚዛን ክቕይሮ ትኽእሎ ከምዘሎ ሓቢሩ’ሎ። ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝገብሮ ዘሎ ጸቕጢ ዘፋኹስ እኳ እንተኾነ፣ ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ንዘሎ ሃዋሁ ግና ክቕይሮ ከምዝኽእል ኣተንቢሁ።
ኣይ.ሲ.ጂ. ኣብ መግለጺኡ፣ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ደገፍ ሰራዊት ኤርትራ እንተዘይብሉ፣ ህወሓት ተመሊሱ ንመላእ ትግራይ ክቆጻጸር ርሒብ ዕድል ዝኸፍት ከምዝኸውን የመልክት።
ኣብዚ እዋን’ዚ ህወሓት ዓጢቑዎ ዘሎ ኣጽዋር፣ ካብ ፈኮስቲ ብረት ዘይሓልፍ ብምዃኑ፣ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብቐሊሉ ክንቀሳቐስ ኣኽኢሉዎ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።
ዝበዝሐ’ቲ ህወሓት፣ ካብ ሰራዊት ፈደራል ዝመንዘዖ ከበድቲ ብረትን ታንክታትን፣ ብናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ከምዝዓነወ ዝገለጸ ኣይ.ሲ.ጂ.፣ብኣንጻሩ ናብቲ ቃልሲ ዝውሕዙ ዘለዉ መንእሰያት ትግራይ ቁጽሮም እንዳዛየደ ይመጽእ ኣሎ ኢሉ።
ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ከኣ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወሪዱ ዝበሃል ዘሎ ምግሃስ መሰላትን፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን፣ መንእሰያት ናብ ህወሓት ከምዝጽምበሩ ይገብር ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ።

ኤርትራ፡ ምፍኳስ ተሪር ዕጽዋን እገዳታንት ኮሮናቫይረስ ይቕጽል ኣሎ

ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ህዝባዊ መጓዓዝያ ምድሪ ካብ ሎሚ “ብኸፊል” ከምዝተጀመረ ሚኒስተር ዜና ሓቢሩ።

ሚኒስተር የማነ ገረብመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ምጅማር መጓዓዝያ ኣብ ውሽጢ ከተማታት፡ ከምኡ’ውን ካብን ናብን ከተማታት ዝምልከት ምዃኑ ጠቒሱ።

“ምስ ምኽፋት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኸፊላዊ ምጅማር ህዝባዊ መጓዓዝያ ሎሚ ተጀሚሩ’ሎ። ኣውቶቡሳት ኣብ ከተማ፡ ከምኡ’ውን ካብን ናብን ከተማታት ናብ ዘለዉ ቀንዲ መስመራት ክምለሳ’የን” ኢሉ።

ይኹን እምበር፡ እተን ኣውቶቡሳት ካብ ሓደ መበገሲ ነጥቢ ክሳብ ናይ መወዳእታ ዝበጽሓሉ ቦታ ብቐጥታ ዝኸዳ እምበር፡ ኣብ መንጎ ደው ከምዘይብላ ዘለዋ ገለ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ታክስታትን ናይ ብሕቲ ናይ ገዛ መካይንን ግን ዛጊት ብዘይ ፍቓድ ክንቀሳቐሳ ከምዘይተፈቕደለን እቶም ጸብጻባት ይገልጹ።

ካብን ናብን እታ ሃገር ዝግበር ንግዳዊ በረራታት”ውን ክሳብ ሕጂ ተኣጊዱ ይርከብ።

መንግስቲ ነተን፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተዓጽየን ዝጸንሓ ኣብያተ-ትምህርቲ ካብ ሓሙስ 1 ማዝያ ጀሚረን ክኽፈታ ከምዝወሰነ ይዝከር። ምንጪ ቢቢሲ ትግርኛ።

Rispondi

Inserisci i tuoi dati qui sotto o clicca su un'icona per effettuare l'accesso:

Logo di WordPress.com

Stai commentando usando il tuo account WordPress.com. Chiudi sessione /  Modifica )

Google photo

Stai commentando usando il tuo account Google. Chiudi sessione /  Modifica )

Foto Twitter

Stai commentando usando il tuo account Twitter. Chiudi sessione /  Modifica )

Foto di Facebook

Stai commentando usando il tuo account Facebook. Chiudi sessione /  Modifica )

Connessione a %s...